Search Badges Account

ማንቲለ ንተኹላ ካብ ከቢድ ፀገም ኣድሒንዎ። ተኹላ ግን ክንዲ ንማንቲለ ኣመስጊኑ ዝሽልሞ ቓሉ ዓፀፈ።

ማንቲለ ምትላሉ ቐፂሉ ኣሎ። ሕዚ ክኣ እንታይ ከምዝገብር እዚ ታሪኽ ኣንብቡ እሞ እስቲ ተዓዘቡ።

እዚ ታሪኽ ብዛዕባ ክልተ ተጨወዩ ቆልዑ እዩ። እቶም ቆልዑ ሓደጋ ኣብ ዘለዎ ጉዕዞ ኣትዮም ነይሮም፤ ኣብ መወዳእታ ግን ድሒኖም።

ሓደ እዋን ድርቂ ነበረ። ኣቦይ ሃፍቱ ምስ ቤተሰቦም ምግቢ ይደልዩ ነበሩ። ሓደ ልሙዕ ደን ይረኽቡ እሞ እቲ በዓልዋና ክበልዑ ፈቐደሎም።እቲ ምግቢ ንኽበልዑ ግን ዓቢይ ፈተና ክሓልፉ ኣለዎም።

ማንቲለ ደቂሳ እንተላ ወዝቢ ቱፋሕ ካብ ኦም ወደቐ ምስኡ ድማ ጉየይ ማንቲለ ጉየይ ዝብል ዘረባ ሰምዐት። እዚ ናይ እዚ ታሪኽ መጀመርታ እዩ።

ብዛዕባ ዕርክነትን፣ ካብ ጉንቦ መሸላ ዝተረኸበ ትርፍን ተዘንቱ መስሓቒት ነበረያነበረ።

ለታይ ተፃዋቲት፣ ህንጥይትን ምዝራብ ብጣዕሚ ትፈቱን ጓል እያ ነይራ። እዚ ባህሪኣ ናብ ፀገም ኣእትይዋ ብኻሊእ ገፅ ድማ ካብ ፀገም ክትወፅእ ሓጊዝዋ።

ኣርባዕተ ኣረግቶት እንስሳት ካብ ኩፍኣት ዋናታቶም ሓራ ንምውፃእ ሓበሩ ፤ ሓደ ዋና ዘይብሉ ገዛ ረኪቦም ድማ ብሰላም ነበሩ።

ሰገን ንዋዕሮ ብጣዕሚ ኣመነታ። ዋዕሮ ግን እቶም ብጣዕሚ ዝረጎዱ ደቂ ሰገን ንባዕላ ንምውሳድን ደቃ ንምግባርን መደብ ኣውፅኣት።

እዚ ታሪኽ ብዛዕባ ሓደ ወዲን ካብ እናሓጉኡ ዝተዋሃበቶ እንቋቕሖን እዩ።እቲ ወዲ ነታ እንቋቕሖ ብትኽክል ኣይሓዛን ፤ ዕድለኛ ኾይኑ ግን ናብ ፅቡቕ መሪሓቶ።